ኮሮና፥ ሓበሬታን ምኽርን ኣብ ተነቀፍቲ ኲነታት ንዘለዉ ቆልዑን መንእሰያትን

ክሎም ስድራቤታት ዝተፈላለዩ እዮም። ሓድሓደግዜ ምስ ስድራቤትኩም ብዙሕ ግዜ ምሕላፍ ናይ ብሓቂ ከቢድ ክኸውን ይኽእል። እንተድኣ ነገራት ኣመና ከበድቲ ኮይኖም፡ ናብኦም ክትድውሉ ትኽእሉ ህጹጽ መስመራት ተሌፎን ኣለዉ።

  • ብምኽንያት እቲ ኮሮናቫይረስ ካብ ገዛ ዘይምውጻእ፥
    ክሎም ስድራቤታት ዝተፈላለዩ እዮም። ሓድሓደግዜ ምስ ስድራቤትኩም ብዙሕ ግዜ ምሕላፍ ናይ ብሓቂ ከቢድ ክኸውን ይኽእል።
  • ከምዚ ዝበሉ ነገራት ኣብ ዘጋጥምሉ እዋን ምሕራቕ፡ ምፍራሕ ወይ ምርባሽ ንቡር እዩ። ሕጂ ቫይረስ ብቕልጡፍ ናብ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝላባዓሉ ዘሎ ዘይንቡር ኲነታት ኢና ዘለና። ፍርሒ ክስምዓኩም ምሉእ ንምሉእ ንቡር እዩ።
  • ዓበይቲ ሕጂ ዝያዳ ካልኦት ክሓርቁ፡ ክቑጥዑ ወይ ክሓዝኑ ይኽእሉ። ገሊኦም ጎነጻውያን’ውን ክኾኑ ይኽእሉ። እዚ ናትኩም ጉድለት ኣይኮነን።
  • ገሊኦም ቆልዑን መንእሰያትን ኣብ ገዛ ጽንኩር ኲነታት የሕልፉ። እዚ በይኖም ዘለዉ ኮይኖም ከምዝምዖም ክገብር ይኽእል። ኣብ ከምዚ ዝበሉ ዘይንቡር ኲነታት ዝያዳ በይኖም ዘለዉ ኮይኖም ክስምዖም እውን ይኽእል።
  • እንተድኣ ኣብ ገዛ ጽንኩር ኲነታት ተሕልፉ ኣለኹም፡ ምስ ኣዕሩኽን ኣዝማድን ኣብ ማሕበራዊ ድሕረገጻት ወይ ብተሌፎን ርክብ ክትቅጽሉ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ኣብ ገዛ ከመይ ከምዘለኹም፡ ወይ ብዛዕባ ካልእ ነገራት ክተዕልልዎም ትኽእሉ።
  • እንተድኣ ኣብ ገዛ ኣዝዩ ጽንኩር ኲነታት ተሕልፉ ኣለኹም ኮይንኩም፡ ኣብ ውሕስነት ዝስምዓኩም ካልእ ቦታ ምቕማጥ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል። በይንኹም ግዜ ተሕልፍሉ ገለ ቦታ ምርካብ እውን ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል።
  • ከምዚ ዝስዕብ ምግባር’ውን ኣገዳሲ እዩ፥ o ትፈትውዎም ንጥፈታት ምግባር ቀጽሉ o ንቡር ኣመጋግባ ይሃልኹም ኣመና ግዜ ኣሕሊፍኩም ከኣ ኣይትደቅሱ o እንተድኣ ትፈትውዎ ኮይንኩም፡ ኣካላዊ ምውስዋስ ቀጽሉ
    እንተድኣ ነገራት ኣብ ገዛ ናይ ብሓቂ ሕማቕ ኮይኖም ኣለዉ እንታይ ክገብር ይኽእል፧
    እንተድኣ ኣብ ገዛ ዘሎ ኲነታት ኣመና ሕማቕ ኮይኑ ብምህላዉ ሓገዝ ትደልዩ ኣለኹም፡ ምስ ሓደ ካብዞም ቦታታት እዚኦም ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ፥
  • ናይ ህጹጽ ኲነት መስመር ተሌፎን ንቆልዑን መንእሰያትን፡ ናብ 116 111 ደውሉ
  • Kors på halsen፡ ናይ ቀይሕ መስቀል ህጹጽ መስመር ተሌፎን ንትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም፥ ናብ 800 333 21 ድውሉ ወይ ኣዕልሉ
  • Si det med ord ናይ ዕላልን መርበብ ኢንተርነትን መድረኽ
  • ሃገራዊ ህጹጽ መስመር ተሌፎን ናይ ዘቤታዊ ጎነጽ

እቲ ኮሮናቫይረስ ብኸመይ ይላባዕ፧ ክሓምም ይኽእል ድየ፧

  • ኖርወይ ብምኽንያት እቲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ህጹጽ ኲነት ትርከብ። ግን እዚ ክሓልፍ እዩ። ነገራት ደጊሞም ናብ ንቡር ክምለሱ እዮም፡ መኣስ ምዃኑ ጥራይ ኢና ዘይንፈልጥ።
  • መብዛሕትኦም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ፎኪስ ሕማም ጥራይ ይሓሙ። ገሊኦም ኣመና ካብ ምሕማሞም ዝተላዕለ ናብ ሆስፒታል ምኻድ የድልዮም። እዞም ሰባት እዚኦም መብዛትኡ ግዜ ኣረጋውያን እዮም፡ ወይ ካልእ ኣካልዊ ሕማማት እውን ዘለዎም እዮም። እቲ ሆስፒታል ንዝኾነ ሰብ ዘድልዮ ሓገዝ ይህብ።
  • እቶም በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ቆልዑ መብዛሕትኡ ግዜ ማዕረ እቲ ዓበይቲ ዝሓምዎ መጠን ኣይሓሙን እዮም።
  • ብዛዕባ እቲ ኮሮናቫይረስ ብዙሓት ወረታት ኣለዉ። ገሊኦም ቆልዑ ንእኡ ከምዝዘርግሑ ብካልኦት ይውቀሱ። እዚ ብርግጽ ሓቂ ኣይኮነን። በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ቆልዑ ዝኾነ ጌጋ ኣይገበሩን።
  • ብዛዕባ ሕማም ወይ መልከፍቲ ቁሩብ ክትፈርሕ ንቡር እዩ። መልከፍቲ ናይቲ ቫይረስ ንምጋድ ክትገብርዎም ትኽእሉ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ፡ ከም ካብ ገዛ ዘይምውጻእ፡ ከምኡ ድማ ኣእዳውኩም ኣዐሪኹምን ብተደጋጋምን ምሕጻብ ዝኣመሰሉ።
  • ነፍስ ወከፍ ሰብ ነቲ ቫይረስ ካብ ምልባዕ ንምግታእ እጃሞም ክገብሩ ኣገዳሲ እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ቆልዑን መንእሰያትን ሕጂ ናብ ቤት-ትምህርቲ ብዘይ ምኻድ ኣብ ገዝኦም ክጸንሑን ናብ ናይ ድሕረ ትምህርቲ ንጥፈታት ካብ ምኻድ ክቑጠቡን ዘለዎም።

 

ሓበሬታ፥

  • ብዛዕባ ሓድሽን ዘይተለምዱን ነገራት ኣብ ንሰምዓሉ እዋን፡ ቀልጢፍና ንርበሽን ንፈርሕን። ገሊኦም ሰባት ንኣዕሩኽቶም ወይ ስድራቤቶም ገለ ነገር ከየጋጥሞም ይፈርሑ። ከምዚ ስምዒት ክህልወኩም ንቡር እዩ።
  • ቆልዑን መንእሰያትን ብዙሕ ሓበሬታ ካብ ኢንተርነትን ማሕበራዊ ድሕረ-ገጻትን ይረኽቡ። ሓበሬታ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ፡ ግን ኣመና ብዙሕ ሓበሬታ ምእካብ ዘፍርሕ ክኸውን ይኽእል። o ገዛእ ርእስኹም ሓልዉ። ምናልባት ንግዚኡ ካልእ ነገር ተዓዘቡ። o እንተድኣ ፍርሒ ወይ ምርባሽ ዝስምዓኩም ኣሎ ኾይኑ፡ ዕረፍቲ ውሰዱን ገለ ዘሐጉሰኩም ነገር ግበሩን። o ምስ ሰብ ምዝራብ ዝሓሸ ስምዒት ከም ዝስምዓኩም ክገብር ይኽእል።
  • ገሊኡ ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ሓበሬታ ሓሶት እዩ፡ ስለዚ ንሓቅታትኩም ካበይ ከምትረኽብዎም ኣስተውዕሉ።