ኮሮና፥ ምኽሪ ንስምዒታዊ ጸገማት ዘለዎም ቆልዑን መንእሰያትን

ኖርወይ ብምኽንያት እቲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ህጹጽ ኲነት ትርከብ። ግን እዚ ክሓልፍ እዩ። ነገራት ደጊሞም ናብ ንቡር ክምለሱ እዮም፡ መኣስ ምዃኑ ጥራይ ኢና ዘይንፈልጥ።

እቲ ኮሮናቫይረስ ብቕልጡፍን ናብ ብዙሓት ሰባትን ይላባዕ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይንቡር ነነር ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ካብ ዝኾኑ ክህልውኹም ዝኽእሉ ካልእ ስምዒታዊ ጸገማት ንላዕሊ ንምጻሩ ዝኸበደ ክመስል ይኽእል።
ዓበይቲ ለውጥታት ኣብ መዓልታዊ ህይወት ንገሊኦም ስምዒታዊ ጸገማት ዘለዎም ቆልዑን መንእሰያትን ሓደስቲ ሓሳባት፡ ስምዒታት ክምዝምጾምን ሓደስቲ ሻቕሎታት ከምዝህልውዎምን ክገብርዎም ይኽእሉ። እዚ ንቡር እዩ። እንተድኣ ትኣምንዎ ሰብ ኣለኩም ኮይኑ፡ ብዛዕባ’ዚ ምስ ሓደ ዓቢ ሰብ ምዝርራብ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል።
ናይ ዓቕሊ ጽበት ስምዒት ኣብ ዝህልወኩም እዋን ንገዛእ ርእስኹም እተህድእሉ ሜላታት ተጠቐሙ። ነዞም ዝስዕቡ ፈትኑ፥
• ደቅሱ ኣብ ስሩዕ ሰዓታት ከኣ ተበራበሩ • ብስሩዕ ተመገቡ • ክይገብርዎም ትፈትዉ ነገራት ግበሩ • ምስ ኣዕሩኽኩምን ስድራቤትኩምን ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ-ገጻት ርክብ ቀጽሉ
ናብቲ ዲጂታላዊ ክፍሊ ናይ ቤት-ትምህርትኹም ብምእታው ምስ መምህርኩምን መማህርትኹምን ዘለኩም ርክብ ቀጽሉ።
እንተድኣ ስነ-ኣእምሮኛ ወይ ብስሩዕ ትዛረብዎ ካልእ ሰብ፡ ከም ነርስ ህዝባዊ ጥዕና ዝኣመሰለ፡ ኣለኩም ኮይኑ፡ ክትድውልሎም ወይ ኣብ ማሕበራዊ ድሕ-ገጻት ክትረኽብዎም ክትፍትኑ ትኽእሉ።
እንተድኣ ኣትዛረብዎ ትኽእሉ ሰብ ደሊኹም፡ እዞም ዝስዕቡ ገጻት ኢንተርነት ሓገዝቲ ክኾኑ ይኽእሉ፥
• Kors på halsen፡ ናይ ቀይሕ መስቀል ህጹጽ መስመር ተሌፎን ንትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም፥ ናብ 800 333 21 ድውሉ ወይ ኣዕልሉ
• Si det med ord ናይ ዕላልን መርበብ ኢንተርነትን መድረኽ