ናይ ጭንቀት-ምጒዳል ስጉምትታት ኣብ ውሸባን ምንጻልን

ኣብ ገዛ ኣብ ውሸባ ወይ ምንጻል ምዃን ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ዝፈጥር ክኸውን ይኽእል። ሻቕሎት፡ ወጥሪ ወይ ቁጥዐ ክስምዓኩም ወይ ኣብ ምቕላብ ክትጽገቡ ወይ ድቃስ ክኣብየኩም ዘይንቡር ኣይኮነን።

ነቲ ናይ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ ምኽሪ ኣብ ገዛ ንዝተወሸቡ ሰባት ኣንብብዎ።
ነቲ ናይ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ ምኽሪ ኣብ ገዛ ንዝተነጸሉ ሰባት ኣንብብዎ።
ነቲ ናይ ሓፈሻዊ መግለጺ ገጽ ናይ ምኽሪ ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ርኣይዎ፥ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና፡ ዓበይቲ፡ ቆልዑ፡ ተነቀፍቲ ስድራቤታት ከምኡ ድማ ጸገማት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘለዎም ሰባት።
እንተድኣ ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ርክብ ጸኒሕኩም ወይ ንገዛእ ርእስኹም ተለኺፍኩም እንተሊኹም፡ ምልክታት ሕማም ከይተማዕብሉ ወይ ጥዕናኹም ከየንቆልቁል ስግኣት ክህልወኩም ይኽእል። ብዙሓት ናይ ምርባሽ፡ ጓሂ፡ ጽምዋ ወይ ድኻም ስምዒት ክስምዖም’ውን ይኽእል። ይኹን እምበር፡ ንመብዛሕትኦም ሰባት፡ እቲ ናይ ውሸባን ምንጻልን እዋን ደሓን ክኸውን እዩ ዝኾኑ ስነ-ኣእምሮኣዊ ግብረመልስታት ከኣ ግዝያዊ ክኾኑ እዮም።
ኣብ ውሸባ ወይ ምንጻል ኣብ ገዛ ኣብ ትኾንሉ እዋን መዓልታዊ ህይወት ናይ ብምልኡ እቲ ስድራቤት ይቕየር። ናብ ስራሕ፡ ቤት-ትምህርቲ፡ መውዓሊ ቖልዑ ክትከዱ ወይ ብኸምቲ ናይ ቅድም መንገዲ ምስ ካልኦት ሰባት ክትራኸቡ ኣይትኽእሉን። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ዝተሓተ ኣካላዊ ንጥፈት ከምዝህልወኩም፡ ናይ ኣመጋግባኹም ስሩዕነት ከምዝጎድልን ከምኡ ድማ ምናልባት ካብ ናይ ቅድም ዝበዝህ ወይ ዝውሕድ ንውሓት ከምትድቅሱን ይገብረኩም። መብዛሕትኦም ሰባት ብዙሕ ናይ ስክሪን ግዜ ከምዝህልዎም ይገብር። መዓልታዊ ልምድታት ናይ ኣብ ምንጻል ዘለዉ ቖልዑን መንእሰያትን እውን ብሰንኪ እቲ ለበዳ ይቕየሩ። ዝምከሩ ስጉምትታት ነቶም ዝተጸልዉ ሰባት
ሓድሽ ዜና ተኸታተሉ – ግን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ክኸውን ኣይተፍቅድሉ
ብዙሕ ኣገዳሲ ሓበሬታን ጠቓሚ ምኽርን ኣሎ ግን ዓቐኑ ዝሓለፎ ኣተኲሮ ኣብ ሓደስቲ ዜናታት ኣመና ብዙሕ ግዜ ክወስደልኩምን ኣብ ሻቕሎታትኩም ኣበርክቶ ክህልዎን ይኽእል። እንተድኣ ሓድሽ ሓበሬታ ደሊኹም፡ ዘተኣማምኑ ምንጭታት ተጠቐሙ ከምቲ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ ከምኡ ድማ ናይ Helsenorge መርበባት-ሓበሬታ ዝኣመሰሉ።
ንመዓልትኹም ዝኸውን ቅርጺ ፍጠሩ

ኣብ ገዛ ኣብ ትውዕልሉ እዋን ሓደስቲ ልምድታት ምፍጣር ኣገዳሲ ይኸውን። ንቡር ናይ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ረምታ ክትዕቅቡ ፈትኑ። ንብዙሓት ሰባት፡ ቤት-ትምህርትን ስራሕን ቅርጺ፡ ትርጉምን ውሕስነትን ንመዓልታዊ ህይወት ይህቡ። እንተድኣ ካብ ገዛ ትሰርሑ ኣለኹም ኮይንኩም ትሰርሕሎም ውጺታዊ መንገድታት ርኸቡ። ብመገዲ ናይ መዘናግዒ ዝውቱር ንጥፈታት ንጡፋት ኮይንኩም ክትቅጽሉ’ውን ጽቡቕ እዩ።
መዓልታዊ ‘ዶዝ/መጠን’ ኣካላዊ ንጥፈትን ብርሃን ቀትርን ምርካብኩም ኣረጋግጹ
ህይወት ኣብ ውሸባ ብቐሊሉ ኮፍ ኢልካ ብዝስርሑ ስራሓት ናይ ውሽጢ ገዛ ኣነባብራ ክዕብለል ይኽእል። ኣካላዊ ንጥፈት፡ ኣብ ተፈጥሮ ብእግሪ ምጒዓዝ ከምኡ ድማ ብርሃን ቀትሪ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ድቃስን ክህልዎም ይኽእል። ኣብ ናይ ውሽጢ ገዛ ንጥፈታት ኣብ ትጽመድሉ እዋን ነቶም ናይ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ መምርሒታት ተኸተልዎም።
ማሕበራዊ ርክብ ቀጽሉ
ዋላ’ውን ተወሺብኩም ወይ ኣብ ገዛ ተነጺልኩም እንተሃለኹም፡ ምስ ካልኦት ሰባት ብመገዲ ማሕበራዊ ድሕረ-ገጻትን ብተሌፎንን ርክብ ምቕጻል ይክኣል እዩ። ምስ ንኣብነት ስድራቤት፡ ኣኦሩኽ፡ መማህርቲ ከምኡ ድማ መሳርሕቲ ርክብ ናይ ምክያድ ግዜ ካብ ምምዳብ ድሕር ኣይትበሉ። ዝምከሩ ስጉምትታት ኣብ ውሸባ ወይ ምንጻል ንዘለዉ ቆልዑ፡ መንእሰያትን ስድራቤታትን
ቆልዑ ኣብ ገዛ ንምውሻብ ወይ ንምንጻል ዘለውዎም ግብረመልስታት ዝተፈላለዩ ክኾኑ ይኽእሉ። ገሊኦም ጭንቀት፡ ሻቕሎት፡ ፍርሒ፡ ሕርቃን ወይ ቁጥዐ ክስምዖም ይኽእል፡ ካልኦት ግን ዝኾኑ ምስ ምውሻብ ዝተኣሳሰሩ ኣሉታዊ ስምዒታት ዘይክስምዕዎም ይኽእሉ። ገሊኦም ቃንዛ ከብዲ፡ ሕማም ርእሲ ወይ ቃንዛ ኣብ ካልእ ክፋላት ሰብነት ክስምዖም ይኽእል ትሓሙ ኣለኹም ዲኹም የለኹምን የተሓሳስበኩም ክህሉ ከኣ ይኽእል’ዩ። ወለዲ ወይ ኣሕዋት ከይሓሙ’ውን ፍርሒ ክህልወኩም ይኽእል። ክሎም እዞም ስምዒታት እዚኦም ንቡር እዮም። ኣብ መብዛሕትኦም ሰባት፡ እዞም ግብረመልስታት እዚኦም ክሓልፉ እዮም። መዓልታዊ ህይወት ብኸምዚ መንገዲ ኣብ ዝቕየረሉ እዋን ንመላእ’ቲ ስድራቤት ገና በዳሁ ክኸውን ይኽእል።
ከም ሓደ ስድራቤት ምስ ቆልዑ ተወሽብክምሉ ኣብ ዘለኹም ኲነት ብዙሓት ክትገብርዎም ኣዘናጋዕቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ነገራት ከምዘለዉ ንፈልጥ፥
ምስ ደቅኹም ተዘራረቡ
ቆልዑ ብዛዕባ ስለምንታይ ኣብ ውሸባ ወይ ምንጻል ምህላዎምን እንታይ ክገብሩ ይኽእሉን ዝምልከት ክርድእዎ ዝኽእሉ ሓበሬታ የድልዮም። ቆልዑ ኣብ ውሸባ ብምዃን ንኻልኦት ሰባት ካብ ለበዳ ኣብ ምግታእ ይሕግዙ ምህላዎም ክፈልጡ ኣገዳሲ እዩ። ነቶም ቆልዑ እንታይ ግር ዝብሎም ነገር ከምዘሎ ሕተትዎም ንሕቶታቶም ከኣ መልስሎም። ቆልዑ ካብቲ ክትሓስብዎ ትኽእሉ ንላዕሊ ክቖልቡ ዝኽእሉ ምዃኖም ዘክሩ። ቆልዑ ብዛዕባ’ቲ ኲነት ናይ ገበን ስምዒት ክህልዎም ወይ ኣዝዮም ክርዕዱ ይኽእሉ። መጽዮም ክሳብ ዝሓትኹም ኣይትጸበዩ። እንታይ ሓበሬታን ዜናን ከምዝሰምዑ ሕተትዎም ንዝኾኑ ክህልውዎም ዝኽእሉ ሕቶታት ከኣ መልስሎም።

ድሕነት ተላጋቢ እዩ
ናይ ድሕነት ስምዒት ክህልወኩም ከሎ እቶም ቆልዑ ከኣ ናይ ድሕነት ስምዒት ይህልዎም። ቆልዑ ኣብ ዝፈርሕሉ እዋን ምጽንናዕን ምንክብኻብን የድልዮም። ውሑድ ዓሚቚ እስትንፋሳት ስሓቡ ናይ ገዛእ ርእስኹም ሰላም ኣእምሮ ከኣ ርኸቡ። ናይ ቆልዓኹም ስሞኢታት ብምፍላጥን ንኽሎም ስምዒታትቶም ኣብ ምእላይ ብምሕጋዝን ሰላም ኣእምሮ ፍጠሩ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ዓበይቲ ሰባት ተወሳኺ ትዕግስቲ ከርእይዎም ከድልዮም ይኽእል።
ኣብ መኦኣልታዊ ልምድታትኩም ቀጽሉ
ዋላ’ውን ናብ መውዓሊ ቆልዑ ወይ ቤት-ትምህርቲ ምኻድ ዘይክኣል እንተኾነ፡ ነፍስ ወከፍ መዓልቲ ትገብርዎም ቀዋሚ ንጥፈታት ክህልውኹም ጽቡቕ እዩ፡ ከም ኣብ ንቡር ግዜ ክትድቅሱን ክትበራበሩን፡ ኣካላዊ ንጥፈት ክህልወኩምን ዕዮ-ገዛ ምስራሕን ዝኣመሰሉ። ጥዕና ዝህቡ፡ ስሩዕ እዋናት ምግቢ፡ ድቃስን ኣካላዊ ንጥፈትን ኣብ ሰብነታት ቆልዑን ዓበይትን ብተመሳሳሊ ጸቕጢ ኣብ ምጒዳል ይሕግዙ። ናይ እዋን ድቃስ ልምድታት ቆልዑ ኣብ ዝፈርሕሉ ከምኡ ድማ/ወይ ዝሓምሉ እዋን ክዝረጉ ይኽእሉ። ኣብ ስሩዕ፡ ልሙዳት ናይ እዋን ድቃስ ልምድታት ቀጽሉ። ቆልዑ ኣመና ብዙሕ ግዜ በይኖም ኣብ ናቶም ተሌፎናት ወይ ታብለታት ከሕልፉ ምፍቃድ ኣወግዱ። ሓደ ሰዓት ቅድሚ ድቃስ ስክሪናትን ተሌፎናትን ከምዝርሕቁ ምግባር ጽቡቕ ሓሳብ እዩ። ቆልዑ ለይቲ ተሲኦም ናብ ወለዶም ክመጹ ንቡር እዩ። እዚ ክሓልፍ እዩ።
ማሕበራዊ ርክብ
ምስ ኣዕሩኽን ስድራቤትን ብመገዲ ማሕበራዊ ድሕረ-ገጻትን ተሌፎንን ርክብ ቀጽሉ። እዚ ደጋፊ፡ ኣተባባዕን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ዘጉድልን እዩ።
ንኣኹም ዝሰርሓልኩም ነገር ግበሩ
ንስኹምን ስድራቤትኩምን ክትገብርዎም ባህታ ዝፈጥርልኩም ነገራት ግበሩ ከም ምዕዛብ ፊልምታት፡ ምንባብ መጻሕፍቲ፡ ምስማዕ ሙዚቃ ወይ ናይ ድምጺ መጻሕፍቲ ዝኣመሰሉ። ናይ ስድራቤት ግዜ ኣወንታዊ ክኸውን ይኽእል ግን ቆልዑ በይኖም ክኾኑ ዝደልይሉ ግዜ ስለዘሎ ክተኽብርሎም ይግባእ።
ሓገዝ ድለዩ
ስድራቤታት ኣብ ኣዋን ከበድቲ ኲነታት ሓገዝ ከድልዮም ይኽእል። ኣብ ናይ ከባቢኹም በዓል መዚ ምስ ዘሎ ስርዓተ ደገፍ ርክብ ይሃልኹም ወይ ናብ ህጹጽ መስመር ተሌፎን ደውሉ።