ኮሮናቫይረስ፥ ምኽሪ ነቶም ጸገማት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘለዎም ዘሎ ሰባት

መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከምኡ ድማ ስጉምትታት ምቊጽጻር መልከፍቲ ንነፍስ ወከፍ ሰብ ተወሳኺ ጸቕጢ ዘስዕቡ ክኾኑ ይኽእሉ ከምኡ’ውን ምናልባት ብፍላይ ነቶም ጸገማት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ወይ ጸገማት ምውሳድ ሓሽሽ ዘለዎም ሰባት።

ነቲ ናይ ሓፈሻዊ መግለጺ ገጽ ናይ ምኽሪ ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ርኣይዎ፥ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና፡ ዓበይቲ፡ ቆልዑ፡ ተነቀፍቲ ስድራቤታት ከምኡ ድማ ጸገማት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘለዎም ሰባት።
ምስቲ ኲነታት ዝተኣሳሰሩ ሻቕሎታትን ጸቕጥን ነቶም ዘለውኹም ጸገማት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ከጋድዱ ይኽእሉ ወይ’ውን ሓደስቲ ምልክታት ከምዝቕልቀሉ ክገብሩ ይኽእሉ። ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዝትግበሩ ስጉምትታት ነቶም ሓገዝቲ ኮይኖም ትረኽብዎም ናይ ኣተኣላልያ ሜላታት ምጥቃም ዝኸበዱ ከምዝኾኑ ክግበሩ ይኽእሉ። እዚ እንተድኣ ብሰንኪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ውሸባ ወይ ምንጻል ሃሊኹም ብፍላይ ሓቂ እዩ።

እዚ ዝስዕብ ምኽሪ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል፥

  • ንስሩዕ ናይ ፍወሳ ውጥንኩም ክትከታተልዎ ኣገዳሲ እዩ። ብኽብረትኩም ንፈዋሲኹም ወይ ካልእ ናይ ደገፍ ሰራሕተኛታት ከም ኣድላይነቱ ወይ ሕቶታት እንተልዮምኹም ርኸብዎም። እዚ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኹም ኣዐርዩ የንቆልቁል ምህላዉ እንተስተብሂልኩም ብፍላይ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኣተኲሮ ኣብ ቁጽጽር መልከፍቲ ብዋጋ ምክንኻን ጥዕናኹም ክኸውን ኣይተፍቅድሉ።
  • ዝተፈልየ ምኽሪ ብዛዕባ ኣተኣላላያ ጭንቀት ኣብ ውሸባን ምንጻልን ንዘለዉ ሰባት ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ምኽሪ እዚ ብጸገማት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ንዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት’ውን ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል።
  • ነቶም ቅድም ጥየቐምቲ ኮይኖም ትረኽብዎም ዝነበረኩም ናይ ኣተኣላልያ/ምግጣም ሜላታት ምጥቃም ዘክሩ። እንተድኣ እዚኦም ብሰንኪ እቶም ህሉዋት ስጉምትታት ናይ ቁጽጽር መልከፍቲ ክትጥቀምሎም ዘይክኣሉ ኮይኖም፡ ኣማራጺታት ክትረኽቡ ፈትኑ። ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ንምትእስሳር ሓገዝ ወይ ምኽሪ እንተደሊኹም ምስ ናትኩም ፈዋሲ ወይ ናይ ደገፍ መርበብ ርክብ ኣካይዱ።
  • ንቡር መዓልታዊ ልምድን ቅርጽን ምዕቃብ ኣገዳሲ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ውሸባ/ምንጻል እንተሊኹም ወይ ብሰንኪ እቶም ህሉዋት ስጉምትታት ናይ ቁጽጽር መልከፍቲ ኣብ ተራ ንጥፈታት ካብ ምስታፍ እንተተገቲእኩም።
  • ማሕበራዊ ርክብ ምስ ኣዕሩኽ፡ ስድራቤትን ካልኦት ዝድግፍኹም ሰባትን ብተሌፎን ወይ ማሕበራዊ ድሕረ-ገጻት ርክብ ቀጽሉ እንተድኣ ብኣካል ክትራኸቡ ዘይትኽእሉ ኮይንኩም።
  • ጸገማት ኣእምሮኣዊ ጥዕናኹምን ታሪኽኩምን ብዛዕባ’ቲ ኮሮናቫይረስ ከመይ ከምትሓስቡ፡ ከምዝስምዓኩምን ግብረመልሲ ትህቡን ክጸሉ ከምዝኽእል ፍለጡ።
  • ክትፈርሑ፡ ክትጭነቑ ወይ ክትሻቐሉ ዘይንቡር ኣይኮነን።
  • ዋላ’ኳ እቶም ሕጂ ግብራዊ ዝኾኑ ዘለዉ ስጉምትታት ሰፋሕቲ እንተኾኑ፡ እቲ ዕላማ ተወሰኽቲ ሰባት ካብ መልከፍቲ ንምግታእን ነቶም ንኮሮርናቫይረስ ብፍላይ ተነቀፍቲ ዝኾኑ ከኣ ንምክልኻልን እዩ።