ኮሮና፥ ምኽሪ ኣብ ተነቀፍቲ ኲነታት ንዝርከቡ ወለዲ

ኣብ መላእ ኖርወይ ዝርከቡ ወለዲ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ለውጢ የጋጥሞም ኣሎ። እዚ ንገሊአን ስድራቤታት ካብተን ካልኦት ብዝያዳ ዝኸበደ ክኸውን ይኽእል።

ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣጸደታት ቆልዑ ከምኡ ድማ ቦታታት-ስራሕ ተዓጽዮም ኣለዉ፡ ካብቲ ልሙድ ኣዝዩ ዝበዝሐ ግዜ ከኣ ብሓደ ነሕልፍ ኣለና። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ወለዲ ናይ ስራሕ ህይወቶም ምስ ናይ ስድራቤተይ ህይወቶም ንምምዝዛን ይፍትኑ ይህልዉ። ገሊአን ስድራቤታት ሕማምን ረኽስን ከጋጥመን እዩ፡ እዚ ከኣ ንምእላዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል። እቲ ኲነታት ዝተሓላለኸ ኣዩ ንብዙሓት ከኣ ናይ ዘይምርግጋእ ስምዒት ክፈጥረሎም ይኽእል። ኣብ ተነቀፍቲ ኲነታት ዝርከባ ስድራቤታት ብፍላይ ፈታኒ ተመኩሮ ናይቲ ቅልውላው ክህልወን ይኽእል ብሰንኪ ከም ኣካልዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ሕማማት፡ ምውሳድ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ሓሽሽ፡ ገበን፡ ወይ ልዑል መጠናት ግርጭት ኣብቲ ስድራቤት ዝኣመሰሉ ነገራት። ኣብቲ ስድራቤት ዘለዉ ጸገማት ብምኽንያት እቲ ኲነታት ክብእሱ ይኽእሉ፡ ከምኡ ድማ ሓደስቲ ጸገማት ክልዓሉ ይኽእሉ። ኣብዚ ገለ ምኽሪ ብዛዕባ ወለዲ ከመይ ገይሮም ነቲ ኲነታት ክኣልይዎ ከምዝኽእሉ፡ ከምኡ ድማ እቲ ኮሮናቫይረስ ንኣኹምን ንስድራቤትኩምን ከመይ ገይሩ ክጸልወኩም ከምዝእኽልን እንሆ፥ ሓገዝ ርኸቡ

  • ኣገልግሎታት ክንክን ጥዕና ኣለዉ። ኣድላዪ እንተኾይኑ ምስ ናትኩም ሓፈሻዊ ሓኪም (fastlege) ወይ ናይ ህዝባዊ ጥዕና ነርስ (helsesykepleier) ርክብ ኣካይዱ። እንተድኣ ድሮ ኣብ ፍወሳ ወይ ትዕዝብቲ ብኻልእ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ኣለኹም ኮይንኩም፡ ንሻቕሎታትኩም ምስኦም’ውን ክትዘራረብሎም ትኽእሉ።
  •  ሓገዝ ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበሉ። ኣብ ትሕቲ እቲ ለበዳ እቲ ናይ ኖርወይ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጸቕጢ ክህሉ እዩ። ካብ ካልኦት’ውን ደገፍ ክትሓቱ ትኽእሉ፡ ከም ስድራቤት፡ ኣዕሩኽ፡ ጥዑይ ጎረቤት፡ መምሃራን ወይ ካልእ ትኣምንዎም ሰብ ሞያ ክንክን-ቆልዓ ዝኣመሰሉ።
  •  ህጹጽ መስመራት ተሌፎን ክፉታት እዮም። ኣድላዪ እንተኾይኑ ምስ ሓደ ካብዚኦም ርክብ ኣካይዱ፥ o ህጹጽ መስመር ተሌፎን ናይ ኣእምሮኣዊ ጥዕና፡ ተሌፎን 116 123 o እቲ ናይ ቤተክርስትያን ተልእኾ ከተማ ናይ SOS (ነፍሳትና ኣድሕኑ) ኣገልግሎት፡ ተሌፎን 22 40 00 40 o ኣብ ከባቢኹም ዝርከቡ ክፍልታት ህጹጽ ኲነት ናይ ሕክምና ኣእምሮ
  •  ከምዚ ዝኣመሰሉ ህጹጽ ኲነታት ንገንዘባዊ ኲነታትኩም ከምዝብእሱ ክገብርዎም ይኽእሉ። ኣብ ከምኡ ኣጋጣሚ፡ ምስ ኣስራሒኹም፡ ባንክኹም ወይ NAV ርክብ ኣካይዱ።
    ውልቃዊ ምኽሪ
  •  እንተድኣ ስድራቤትኩም ብልዑል መጠናት ግርጭት፡ ጎነጽ፡ ወይ ምውሳድ ኣልኮላዊ መስተን ሓሽሽን ትሓልፍ ኣላ ኾይና ምስ ኣገልግሎታት ክንክን ጥዕና ርክብ ኣካይዱ። ምስ ፖሊስ፡ ናይ ከባቢኽን (ናይ ደቀንስትዮ) መጽለሊ፡ ወይ ህጹጽ መስመራት ተሌፎን ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰሉ ርክብ ኣካይዱ ሃገራዊ ህጹጽ መስመር ተሌፎን ናይ ዘቤታዊ ጎነጽ ወይ እቲሃገራዊ ህጹጽ መስመር ተሌፎን ናይ ምውሳድ ሓሽሽ።
  • ምስ ኣዕሩኽ፡ ስድራቤትን ካልእ ዝድግፉኹም ሰባትን ርክብ ቀጽሉ። እንተድኣ ገጽ ንገጽ ክትረኽብዎም ዘይትኽእሉ ኮይንኩም ብተሌፎን ወይ ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ-ገጻት ርኸብዎም።
  • ዕረፍትታት ውሰዱ በይንኹም ግዜ ተሕልፍሉ ቦታ ቦታ ከኣ ድለዩ።
  • ነቲ ግዜ ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ ምኽንያቱ ከመይ ገይርኩም ብዝበለጸ መንገዲ ንኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕናኹም ክትኣልዩ ከምትኽእሉ ትፈልጥሉ ስለዝኾነ፡ ዋላ’ውን ካልኦት ኣብ ጥቓኹም ዘለዉ ሰባት ሓሚሞም እንተለዉ፡ ወይ ናይ ስድራቤትኩም ኲንታት ከቢድ እንተኾነ።
  • ኣብቶም ምስ ስድራቤትኩም ብምዃን ክትገብርዎ ትኽእሉ ኣወንታዊ ነገራት ኣተኲሩ።
  • ብዛዕባ እቲ ኲነታት ሓድሽ ሓበሬታ ክህልወኩም ከምኡ ድማ ሓቀኛን ዝግባእን ሓበሬታ ክትእክቡ ኣገዳሲ እዩ። ይኹን እምበር፡ እንተድኣ መራከቡ ብዙሃን ወይ ማሕበራዊ ድሕረ-ገጻት ምስዓብ ፍርሒ ወይ ጭንቀት ዘስዕበልኩም ኮይኑ፡ ንእኦም ምጥቃምኩም ክትድርቱ ጽቡቕ እዩ። ነፍስ ወከፍ ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ሰዓል ወይ ምህንጣስ ሕማም ከስዕብ እዩ ማለት ከምዝይኮነ ዘክሩ።
    ስድራቤታት እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧
  • ቀወምቲ ልምዳዊ ተግባራት ነቲ መጠን ግርጭት ከትሕቱ ይኽእሉ ከምኡ ድማ ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኹም ኣወንታዊ ጽልዋ ክህልዎም ይኽእል። ንእዋን ምምጋብን ናይ ድቃስ ግዜን ዝኾኑ ቀወምቲ ግዝያት መድቡ። ነቲ መዓልቲ ብናይ ስድራቤት ቁርሲ ክትጅምርዎ ትኽእሉ።
  • ብዛዕባ ዘጋጥም ዘሎ ነገር ምስ መጻምድኹም ተዘራረቡ። ንሓድሽ ኲነታትኩም ብኸመይ ከምትኣልይዎም ፍለጡ ንትጽቢታትኩም ከኣ ኣነጽርዎም። እዚ ግርጭታት ኣብ ምውጋድ ክሕግዝ ይኽእል።
  • ሕጉሳት ከምትኾኑ ወይ ዝወሓደ ጭንቀት ከምዝህልወኩም ዝገብሩ ንጥፈታት ኣብ ገዛ ወይ ኣብ ደገ ፍጠሩ፡ ከም ብሓባር ፊልምታት ምዕዛብ፡ ሙዚቃ ምስማዕ፡ ምንባብ፡ ጸወታታት፡ ብሓባር ምኽሻን ወይ ብእግሪ ምጉዓዝ ዝኣመሰሉ።
  • ቆልዑ ብናይ ዓበይቲ ስምዒታት ቀልጢፎም ይንቀፉ እዮም እንተድኣ ዓበይቲ ክሻቐሉ ርእዮም ከኣ ብቐሊሉ ርእሰ ተኣማንነት ከጥፍኡ ይኽእሉ። ንስኹምን መጻምድኹምን ናይ ደቅኹም ናይ ባህሪ ኣርኣያ ምዃንኩም ዘክሩ፡ ንጭንቀት ብዘለኩም ኣተኣላልያ ከኣ ይጽለዉ።
  • እንተድኣ ንስኹም ወይ ዝኾነ ኣባል ስድራቤትኩም ተለኺፉ ወይ ሓሚሙ/ማ እንታይ ከጋጥም ከምዝኽእል ገማጋም ግበሩ። ብዛዕባኡ ምስ ደቅኹም ብኸመይ ክትዘራረቡ ኢኹም፧ ኣብ ምዕዳግ ካብ ድኳን፡ ምርካብ መድሃኒት ከምኡ ድማ ካልእ ዕማማት መን ክሕግዘኩም ይኽእል፧
  • እንተድኣ ንስኹም ወይ መጻምድኹም ሓሚሙ/ማ ንደቅኹም ክኣሊ ዝኽእል ዝኾነ ሰብ ሕሰቡ። ንስድራቤት፡ ኣዕሩኽ ወይ ፈለጥትኹም ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበሉ።